Provsvar

ውጽኢት መርመራ ናብ ገዛኺ ክስደደልኪ እዩ

እቲ ዝተገብረልኪ መርመራ ዋህዮ ኣብ ላባራቶሪ ክፍተሽ እዩ። ዕድመኽን ናይ ዝሓለፈ ውጽኢት መርመራን ነዚ ናይ ሕጂ መርመራ ከመይ ከም ዝተመርመረን ከመይ ከም ዝግምገምን ይገልጽ። መልሲ ውጽኢት መርመራ ናብ ገዛኺ ናብ ናይ ቡስጣ ሳንዱቕኪ ክልኣኸልኪ እዩ። ውጽኢት መርመራ ድማ መርመራ ዋህዮ ድሕሪ ምግባርኪ ብገምጋም ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ ዝመጽእ።

መብዛሕትኦም ውጽኢት መርመራታት ዋላሓንቲ ናይ ለውጢ ምልክታት ኣየርእዩን እዮም። ስለ’ዚ ድማ እንደገና ንመርመራ ዋህዮ ድሕሪ ሰለስተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመታት ብደረጃ ዕድመኺ ዝፈላለ ወይ ኣብ ዕድመኺ ዝምርኮስ ፍልልይ ናይ ግዜ ክትጽውዒ ኢኺ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታትን ብገለ ገለ ምኽንያታትን እቲ መርመራ ኣይንጽርን እዩ። ስለ’ዚ ድማ ንሓድሽ መርመራ ዋህዮ ደጊምኪ ትጽውዒ።

እቲ ውጽኢት መርመራ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ እንተ ጸኒሑዎ፡

ሓደ ውጽኢት መርመራ ዝኾነ ምልክት ናይ ዋህዮ ለውጢ ከይገበረ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ከርኢ ይኽእል እዩ። እታ ትቕጽል ናይ ዋህዮ መርመራ ግዜ ክሳዕ ትኣክል ድማ ዝኾነ ሓድሽ መርመራ ኣየድልን እዩ። እንተ ኾነ ግን እቲ ናይ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ሕማም ተማሓይሹ ድዩ ዋላስ ኣይፋሉን ንምርግጋጽ ኣብ’ታ ኣብ ቀጻሊ ንናይ ዋህዮ መርመራ ትግበረልኪ ጻውዒት ቀሪብኪ ሓድሽ መርመራ ዋህዮ ክትገብሪ ኣገዳሲ እዩ። ብዓይነት ናይ’ቲ ዝተረኽበ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ዝፈላለ ካብ ድሕሪ ሓደ ዓመትን ሓምሽተ ኣዋርሕን ክሳዕ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዘሎ ንውሓት ግዜ እንደገና ክትጽውዒ ኢኺ። ብዛዕባ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ንዝያዳ ኣፍልጦ ኣብ ታሕቲ ኣንብቢ።

እቲ ውጽኢት መርመራ ምልክት ለውጥታት ናይ ዋህዮ እንተ ኣርእዩ፡

መብዛሕትኦም ካብ’ቶም ዝርከቡ ናይ ዋህዮ ለውጥታት ቀለልቲ ወይ ደቀቕቲ ለውጥታት ኮይኖም መብዛሕትኦም ካብኣቶም ድማ ባዕላቶም ዝሓውዩ እዮም። እቶም ካልኦት ድማ ናብ ካንሰር ንኸይምዕብሉ ክንክን ዘድልዮም እዮም። ንሓደ ተለዊጡ ዝተረኽበ ዋህዮ እሞ ድማ ክንክን ዘድልዮ ነዊሕ ግዜ እዩ ዘሎዎ። ንሓደ ዝተለወጠ ዋህዮ ናብ መንሽሮ ንኽምዕብል ከም ትሑዝ ብርክት ዝበሉ ዓመታት እዩ ዝወስደሉ።

እቲ ውጽኢት መርመራ ፈኲስ ወይ ቀሊል ናይ ዋህዮ ለውጥታት እንተ ድኣ ኣርእዩ፡ ግን ከኣ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ እንተ ዘይብሉ፡ ተወሳኺ ምክትታል ኣየድልዮን እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ንሓድሽ ናይ ዋህዮ መርመራ ኣብ ሰለስተ ዓመትኪ ክትጽውዒ ኢኺ።

እቲ ውጽኢት መርመራ ፈኲስ ወይ ቀሊል ናይ ዋህዮ ለውጥታትን ኤች ፓይሎሪ ቫይረስን እንተ ኣርእዩ ግን ብክኢላ ማህጸን ምምርማር ከድሊ እዩ። ውጽኢት መርመራኺ ወይ መወከሲታትኪ ድማ ኣብ ከባቢ ትነብርሉ ናብ ዝርከብ ናብ መቐበሊ ክፍሊ ማህጸን ክስደድ እዩ። ንመርመራ ድማ ክትጽውዒ ኢኺ።

ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ እንታይ እዩ?

እዞም ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ቫይረስ’ዚኣቶም ልሙዳት ቫይረስ ኮይኖም ብብዝሒ ዝረኣዩን ዘጋጥሙን ዓይነት ቫይረሳት እዮም። መብዛሕትኦም ዘይጓድኡ ኮይኖም ገሊኦም ውሑዳት ግን ጠንቂ ምቅይያር ዋህዮ ኮይኖም ናይ ማህጸን መንሽሮ ከስዕቡ ይኽእሉ። ንመብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እዞም ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ’ዚኣቶም የጋጥሙዎ እዮም። ዝህቡዎ ገለ ምልክታት ስለ ዘየሎ ግን ብዙሕ ኣይነስተውዕለሎምን ኢና። ሕማም ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ መብዛሕትኡ ግዜ ባዕሉ እዩ ዝሓዊ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ነቲ ጸኒሑ ናብ መንሽሮ ማህጸን ዝምዕብል ምቅይያር ዋህዮ ጠንቂ ይኾኑ እዮም።

ንኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ብኸመይ ክከላኸሎ እኽእል?

ንኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ዝከላኸል ክታበት ኣሎ። እዚ ክታበት እዚ ኣብ ግዜ ንእስነት እንተ ተወሲዱ ዝበለጸ መከላኸሊ ኣንጻር ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ እዩ። ክታበት ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይከላኸሎን እዩ። ስለ’ዚ ድማ ንመርመራ ዋህዮ ኣብ ትጽውዕሉ ግዜ ብቐጻሊ ክትከዲ ኣገዳሲ እዩ።

ኮንዶም መጠናዊ ዝኾነ ኣንጻር ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ናይ ምክልኻል ኣገልግሎት ይህብ። ሚእቲ ካብ ሚእቲ ግን ኣይከላኸሎን እዩ። ምኽንያቱ ብኻልእ ሸነኽ ወይ ድማ ብሸነኽ እቲ ብኮንዶም ዘይተሸፈነ ክፋል ክጸንሕ ስለ ዝኽእል። ምጥቃሙ ግን ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ መከላኸሊ ምህላው ካብ ዘይምህላው ስለ ዝበልጽ።

ዘትክኻ ሰባት ብናይ ለውጢ ዋህዮን ብሳዕቤን ናይ ኤች ፓይሎሪ ቫይረስ ዝመጽአ ናይ ማህጸን መንሽሮን ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎአን ልዑል እዩ። ሽጋራ ምትካኽ ደው ምባል ንምዕባለ ናይ ዋህዮ ለውጢ ናብ ዝነበሮ ማለት ንድሕሪት ይመልሶን ቅልጡፍ ዝኾነ ናይ ጥዕና ለውጢ ድማ የርእይን። ተትክኺ እንተ ዄንኪ እሞ ድማ ከተቋርጽዮ እንተደሊኺ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ስለ’ዚ ንማእከል ጥዕና ወይ ድማ ን”ማእከል ምቊራጽ ምትካኽ ሽጋራ” ብቚጽሪ ተለፎን 020-84 00 00. ተወከሲ።

Senast uppdaterad: 2019-04-24 09:02