#pratacellprov

#pratacellprov ብዛዕባ መርመራ ዋህዮ ምዝራብ

ንሕና ኲላትና ብዛዕባ መርመራ ዋህዮ ብዙሕ ክንዛረብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስሩዕ ዝኾነ መርመራ ዋህዮ ንምውሳድ ንምርድኡ፡ ንምድጋፍን ንምክትታልን ማለት’ዩ።

ገሊአን ስለምንታይ ናብ ቈጸራ ከም ዘይከዳ ተሓቲተን ክምልሳ ከለዋ፡ ”ግዜ የብለይን፡ ምናልባት ቃንዛ ይገብረለይ ይኸውን እዩ፡ መንሽሮ ዝብሃል ሕማም የብለይን” ዝብሉ መመኽነይታታት እየን ዘቕርባ።

ብዛዕባ መርመራ ዋህዮ ምዝራብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ብዛዕባ ኣገዳስነት ምውሳድ መርመራ ዋህዮ ክዛረቡ እዮም። ነዘን ቪድዮታት ተዓዘበን። ምስ መቕርብካን ትፈትዎም ዘበሉ ኲላቶምን ብዛዕባ መርመራ ዋህዮ ተዘራረብ።

ንመደብ ”ብዛዕባ መርመራ ዋህዮ ምዝራብ” ኣብ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ሰዓቦን ናብ ኩሉ ኣባጽሓዮን።

Senast uppdaterad: 2019-04-24 09:07