Cellprov - så går det till

ዕድመኺ ካብ’ታ 23 ዓመት ዝረገጽክላ ኣትሒዝኪ ዕድምቲ ኢኺ ወይ ተጸዊዕኪ ኣለኺ።

ካብ’ታ 23 ዓመት ዝረገጽክላ ዕድመ ኣትሒዝኪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት መርመራ ዋህዮ ማህጸን ክትገብሪ ክትመጽኢ ተዓዲምኪ ወይ ተጸዊዕኪ ኣለኺ። 50 ዓመት ካብ ዝመላእክሉ ዕድመ ኣትሒዝኪ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓምሻይ ወይ ሻብዓይ ዓመት ክትመጽኢ ንጽውዕ። ድሕሪ 64 ዓመት ዕድመ ግን ኣቐዲሙ ለውጢ ዝነበራ እያ ትዕደም።

መርመራ ዋህዮ ምግባር ብወለንታ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተጸዋዕክሉ እዋን ብተኸታታሊ ምኻድ ግን ሓደ ዝበለጸን ኣገዳስን መከላኸሊ እዩ።

ኣብ’ታ ንገዛ ትስደደልኪ መጸዋዕታ፡ ሰዓት፡ ከምኡ’ውን ስምን ኣድራሻን ናይ’ቲ መርመራ ዋህዮ ትገብርሉ መቐበሊ ማእከል ክትረኽቢ ኢኺ። ነዛ ግዜ እዚኣ ክትጥቀምላ እንተ ደሊኺ ወይ ካልእ መቕበሊ ማእከል ክትመርጺ እንተ ደሊኺ ብዝቐለል መገዲ ኣብዚ ክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ።

Boka om ditt cellprov.(ብዛዕባ መርመራ ዋህዮ ትገብርሉ ናይ ቈጸራ ግዜ ፍለዪ።)

ብዛዕባ ህላወ ተቐባል ጋሻ ብኣካል ኣብ ክፍሊ መቐበሊ ክትፈልጥ፡ ንኣብነት መሕኮሪ ወይ ተመሳሳሊ መደየቢ ኣሎዎን የብሉን ንኽትፈልጥ ብናይ ህላወ መረጋገጺ መዝገብ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መለለዪ ቊጽሮም ካብ መወዳእታ መበል ካልኣይ ምሉእ ቊጽሪ ዘሎዎም ሰባት ዕዱማት ወይ ጽዉዓት እዮም።

እታ ንመወዳእታ እዋን መርመራ ዋህዮ ዝወሰድክላ ግዜ ምዓስ ነይራ?

ናብ ክፍሊ መርመራ ዋህዮ ዝመጻእክሉ ግዜ ምዓስ ከም ዝነበረ እንተ ረሲዕክዮ ወይ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንኪ ወይ’ውን ዝሰገርክዮ ወይ ዝሓለፈኪ ጻውዒት እንተ ነይሩ፡ ንናይ’ቲ ዞባ ቤት ጽሕፈት ጻውዒት ክፍሊ መርመራ ዋህዮ ተወከስዮም። ዋላ’ውን እታ ናይ መወዳእታ ዝመጻእክላን መርመራ ዋህዮ ዝገበርክላን ግዜ ምዓስ ከም ዝነበረት ካብ ክኢላ መዋልዳን ወይ ሓኪም ማህጸን ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ።

መርመራ ዋህዮ ንኹሉ ብዓል ማህጸን ኣገዳሲ እዩ።

ማህጸን ኣሎኪ/ካ እንተ ኾይኑ ስሩዕ ዝኾነ ናይ ማህጸን መርመራ ዋህዮ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። እንታይ ዓይነት ጾታዊ መንነት ኣሎካ ወይ ምስ መን ጾታዊ ርክብ ትገብር ብዘየገድስ ማለት’ዩ።

ወግዓዊ ጾታኻ ዘስተኻኸልካ ማለት ዝቐየርካ እሞ ድማ ማህጸን ዘሎካ እንተ ዄንካ፡ ብቐጥታ ኣይክትጽዋዕን ኢኻ። ምስ ማእከል መቐበሊ ክፍሊ ማህጸን ተራኺብካ መርመራ ዋህዮ ምግባር ከድልየካ እዩ።

Senast uppdaterad: 2019-04-26 16:01