Cellprov
መርመራ ዋህዮ ህይወት የድሕን
”ናይ ማህጸን ናይ ዋህዮ(ሴል)መርመራ” ማለት ”መርመራ ዋህዮ” ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ግዜ ዝህሉ ናይ ዋህዮ ለውጢ ናብ መንሽሮ ቅድሚ ምምዕባሉ ዝግበር መርመራ እዩ። ስሩዕ ዝኾነ መርመራ ዋህዮ ምውሳድ ልዕሊ 90% ካብ ናይ ማህጸን መንሽሮ ናይ ምክልኻል ዓቕምን ተኽእሎን ኣሎዎ።
ናይ ማህጸን ናይ ዋህዮ ለውጥታት ክረአ ዝኽእል ኮይኑ ዝርድኣካ ነገር ግን የብሉን። ዳርጋ መብዛሕትኡ ግዜ’ውን ዝፈጥሮ ጸገም የብሉን። ሓደጋ የብሉን። እንተ ኾነ ግን ኣብ ግዜኦም መርመራን ክንክንን እንተ ዘይተገይሩሎም ናብ መንሽሮ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ኣሎዎም። ናይ ዋህዮ ለውጢ ንምፍላጥ እታ እንኮ ኣማራጺት ድማ ናይ ዋህዮ መርመራ ምግባር እያ።
መርመራ ዋህዮ ኣብ ዕድመ ካብ 23-64 ዓመት ዝምርኮስ ኮይኑ እንታይ ዓይነት ጾታዊ መንነት ኣሎካ፡ ምስ መን ወይ ክኣ ከመይ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ትገብር ብዘየገድስ ማለት’ዩ።
ዕድመኺ 64 ወይ ልዕሊኡ እንተ ዄንኪ እሞ ድማ ኣብ ጒዕዞ ህይወትኪ ኣቐዲምኪ መርመራ ምቊጽጻር ዋህዮ ትገብሪ እንተ ኔርኪ ብናይ ዋህዮ ለውጢ ክትጥቅዒ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት ወይ ውሑድ እዩ። ብተደጋጋምን ብቐጻልን ክካየድ ዝጸንሐ መርመራ ከም ዘነጽሮ እንተ ኾይኑ ብዛዕባ ምክልኻል መጥቃዕቲ ማህጸን ብመንሽሮ ዝተረኽበ ፍሉይ ምዕባለ የሎን።
ንመርመራ ዋህዮ ኣብ ትጽውዕሉ እዋን ኩሉ ግዜ ክትከዲ ኣሎኪ
ቊጽሪ ሕማም መንሽሮ ማህጸን እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ዓመተ 2017 ጥራይ 550 ሓድሽ ብዝሒ ናይ’ዚ ሕማም ተመዝጊቡ። ክልተ ካብ ሰለስተ ካብ’ዘን ብመንሽሮ ማህጸን ዝተጠቕዓ እንተ ርኢና ስሩዕ መርመራ ዋህዮ ዝወስዳ ዘይነበራ እየን። ንመርመራ ዋህዮ ኣብ ትጽውዕሉ እዋን፡ ኩሉ ግዜ ትኸዲ እንተ ዄንኪ በዚ ዓይነት መንሽሮ እዚ ካብ ምጥቃዕ ብሉጽ ናይ ምክልኻል ተኽእሎ ክትረኽቢ ኢኺ።
ንናይ ዋህዮ መርመራ ብብዙሓት ይውሰድ እዩ። ብዙሓት ድማ ነቲ ናይ መርመራ ዋህዮ ቈጸራአን ይሰግረኦ እየን። ”ግዜ የብለይን፡ ቃንዛ ክገብረለይ ይኽእል ይኸውን እዩ፡ ኣነ መንሽሮ ዝብሃል የብለይን. . .” ዝብሉ ድማ ገለ ካብ’ቶም ስለምንታይ ነቲ ናይ ዋህዮ ናይ መርመራ ግዜአን ከም ዝሰገረኦ ዝህበኦ መልሲ ወይ መመኽነይታ እዮም።
መርመራ ዋህዮ ቅድሚ ምግባርኪ ዝኾነ ስክፍታ እንተ ተሰሚዑኪ ዓርከ መሓዛ ክትማልኢ ትኽእሊ ኢኺ። ወይ’ውን ንመቐበሊ ክፍሊ መዋልዳን ንተወሳኺ ግዜን ደገፍን ክትሓትዮም ወይ ክትልምንዮም ትኽእሊ ኢኺ።
(ብዛዕባ መርመራ ዋህዮ ማህጸን ዝያዳ ኣፍልጦ ንኽህሉወኩም ኣብ’ዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ኣንብቡ።) Läs mer om gynekologiska cellprov på 1177.se/cellprov